| 
 
 |  11 May 2024
ጸብጻብ 4ይ መዓልቲ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
23/03/2011
1805
 

ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ዓርቢ 18/03/2011 ‘ውን ኣባላት ኮሚሽን ነቲ ብፈጻሚት ኣካል ኮሚሽን ተዳሊዩ ዝቐረበ ሰነድ ደምዳሚ ውጽኢት መማረጺታት ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ንክትዕን ምይይጥን ወሪዱ ውዒሉ። ኣብዚ ኣርእስቲ ኩሎም ተሳተፍቲ እዚ ስሩዕ ካልኣይ ኣኼባ ዝኾኑ ኣባላት ኮሚሽን ነቲ መድረኻውን ገድላውን መሳርሒታት ምርግጋጽ እስትራተጂ ኮሚሽን፣ ንመድራኻትን ተመክሮን ኣረዳድኣ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ እቲ ሰነድ ኣብ ዝምልከት ሓባራዊ ኣረዳድኣ ሒዞም ወጺኦም። ካልእ ከኣ ብርእይቶ ኮሚሽን ኣብ ኤርትራዊ መዳይ ትጽቢት ዝገብርሉ ደምዳሚ ውጽኢት መማረጺታት እንታይ ክኸውን ይኽእል ወይ ምዃኑ ሓሳባትን ርእይቶታትን ተለዋዊጦም። ኣብ መወዳእታ እቲ ኣኼባ ብዓወት ድሕሪ ምዝዛሙ፣ ጽባሕ ካብ ንግሆ ጀሚሩ ምሉእ መዓልቲ ክሳብ ምሸት ክቕጽል ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ነዘኻኽር። በዚ ኣጋጣሚ ብዛዓባ እዚ ዝካየድ ዘሎ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ኮሚሽን ዝተመያየጠሎም ሰነዳትን ጉዳያትን ውሳነታትን ዝሽፍን ደምዳሚ ዝርዝራዊ ኣዋጅ ክወጽእ ኢዩ። 
ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ !! ውድቀትን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!! ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን - ካብ ኣዳራሽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ 18 መጋቢት 2011 www.encdc.com

 
 
Romodan Mubark
تهنئة بعيد الفطر المبارك
Romodan Mubark
Treasury Sanctions Eritrean Military Leader in Connection with Serious Human Rights Abuse in Tigray
G-7 Nations Call for Swift Withdrawal of Eritrean Troops from Tigray
Statement attributable to the UN High Commissioner for Refugees Filippo Grandi on the situation of Eritrean refugees in Ethiopia
© Copyrights 2024| By : ShahBiz