ምጅማር 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ኤዲኪ

ምጅማር 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ኤዲኪ

ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ሎሚ ዕለት 11 ሚያዝያ 2013 ምልኣተ ኣኼባኛታቱ ብድሕሪ ምርግጋጽ ኣጀንዳታቱ ብምስራዕ 4ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዕሊ ጀሚሩ፡፡ 

ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ንህልዊ ፖሎቲካዊ ውድዕነት ኤርትራ ብሓፈሻ ንኩነታት ደንበ ተቓውሞ ድማ ብፍላይ ከምኡ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብመሰረት ተሓንጺጹ ዝነበረ ትልሚ ዕዮታት ኤዲኪ ንዝተካየዱ ንጥፈታት ኣውንታውን ኣሉታውን መዳያቱ ሰፊሕን ዓሚቕን ገምጋም ብድሕሪ ምክያድ፡ ንኣውንታዊ ሸነኻቱ ብምዕዛዝ ኣብ መጻኢ ንጉዕዞ ኤዲኪ ንቅድሚት ንምስጓምን ዓይነታዊ ለውጢ ንምርግጋጽን ዝሕግዙ ኣገደስቲ ፖሎቲካዊ ውሳኔታትን ትልምታትን ሒዙ ክወጽእ ትጽቢት ይግበረሉ።

 

ክፍሊ ዜና

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

11 ሚያዝያ 2013

 
12-04-2013
Print this page.
http://www.al-massar.com