ደምዳሚ መግለጺ ጠቕላላ ጉባኤ 2013 ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

ደምዳሚ መግለጺ ጠቕላላ ጉባኤ 2013

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

 

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ጠቕላላ ጉባኤኡ 2013  ካብ 17-21 ሚያዝያ 2013 ኣብ ትሕቲ ኩሉ ዓቕምታትና ንመስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ ይኽተት ዝብል መሪሕ ጭርሖ ኩነታት ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቓን ኣገዳሲ ምዕባሌታት ኣብ ዘርእየሉ ዘሎ ህሞት ኣብ ርእሰ-ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ተጋቢኡ።

 

ኣብ ሃገራዊ መዳይ፡-

ጠቕላላ ጉባኤ ኤዲኪ ሃገርና ብፍላይ ድማ ብድሕሪ ተረኽቦ 21 ጥሪ 2013 ተሕልፎ ዘላ ምሕቋንን ውድዕነትን ገምጊሙ። ምንቅስቓስ 21 ጥሪ 2013 በቲ ሓደ ወገን ዕምቆት ምሕቋን ናይቲ ስርዓትን ምብትታን ኣካላቱን ከምኡ’ውን ብሰንኪ’ቲ ዝተኸተሎ ኣዕናዊ ፖሊስታት ሃገር በጺሕቶ ዘላ ቁጠባውን ጸጥታውን ቅልውላው ከቓልዕ ከሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ህዝብን ውጽዕ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ብቀዳምነት ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዘለዎም ባህግታት ዘንጸባርቕ’ዩ። ጠቕላላ ጉባኤ ንተበግሶ 21 ጥሪ 2013 ረቋሒታት ብሱል ዝኾነ ውድዕነት ንለውጢ ዝፈጠሮ ምዃኑ ብምስትውዓል፡ እቲ ንሓቀኛ ለውጢ ንምውሓስ፡ ኣብ ባይታ ንዕላማታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ቃልሲ ብግብሪ ንምትርጉም፡ ትጽቢታት ህዝብና ንሓርነታትን ግስጋሰን ንምርግጋጽ፡ ንጸጥታን ምርግጋእን ናይዚ ዞባ’ዚ ንምስራጽ ዝሳትፍ ስርዓት ንምህናጽ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ቃልሲ ኣውንታዊ ሓጋዚ ተራ ከም ዘለዎ ኣረጋገጸ።

 

ጉባኤ ኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ንሃገራዊ ሓድነታዊ መስርዕ ንምዕዛዝ፡ ከምኡ’ውን ካብ ዘመነ ውልቓዊ ግፍዕታት ብምንጋፍ፡ ደሞክራስያዊ መተካእታ ንምርግጋጽ፡ ኣብ ሰረት ሃገራዊ ሓድነትን ባህግታት ሓርነትን ህዝብና ተሰሊፉ፡ ምስ ቃልሲ ህዝብናን ውጹዕ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ደው ብምባል፡ ኣብዚ ሕጂ ሃገርና በጺሓቶ ዘላ ታሪኻዊ ውድዕነት ልዕል ኣተኩሮ ክኸውን ጸዊዑ። ምስዚ ጉዳይ’ዚ ብምዝማድ ድማ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ደንበ ተቓውሞ ናቱ መሪሕ ግደ ከምዘለዎ መጠን፡ ነዚ ውድዕነት ብኩሉ ርሕቀቱ ብዕምቆት ብድሕሪ ምግምጋም ልዑል ሃገራዊ ረብሓታት ንምዕዛዝ፡ ፖሎቲካውን ምምሕዳራውን ምምዕርራይ ኣብ ዕማማቱ ኣካይዱ ኣሎ። ካብዚ ሓቅታት’ዚ ብምብጋስ ከኣ ሃገራዊ ባይቶ ሓባራዊ ጽላል ንመብዛሕቱ ፖሎቲካውን በርጌሳውን ብዙሕነት ዝውክል ክሳብ ዝኾነን ኤዲኪ ኣብኡ ዓቢ እጃም ከም ዘለዎን መጠን ምእንቲ ንኩሉ ክፍልታት ንምጥርናፍን ምጉስጓስን ምስቲ ብውሽጢ ዝተበገሰ ምንቅስቓስ ለውጢ ንምትእስሳር ምድግጋፉ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣረጋገጸ። ጉባኤ ህዝብና ብሓፈሻ ስደተኛታት ድማ ብፍላይ ዘሕልፍዎ ዘለው ሕሰም፡ ኣብ ህዝብና ዝበጽሕ ዘሎ ሰብኣዊ ንግዲ ብድሕሪ ምኹናን ኣህጉራዊ ማ/ሰብን ዝምልከቶ ትካላቱን ሕጋዊ ሰብኣዊ ግዲኦም ክጻወቱ ጻውዒቱ የቕሪቡ። ንኩሎም ብዕድል ህዝቢ ኤርትራ ዝጣልዑ ዘለዉ ድማ የጠንቒቑ። 

 

ጉባኤ ካብ ዝወሰዶም ኣገደስቲ ውሳኔታት፡-

  1. 1.    ሓድነታዊ ቀጻልነት ኢዲኪ ብምውሓስን ምምዕባሉን ንምስማር ፖሎቲካዊ ሓይልታት ተርኡ ክጻወት ወሲኑ።
  2. 2.   ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ሓባራዊ ጽላል ስለዝኾነ ንሓድነቱ ዓቒቡ ክነጥፍን ክምዕብልን ክድግፍን ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
  3. 3.   ስም ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ ዝነበረ ፖሎቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ ክስመ ወሲኑ።
  4. 4.   ኣብዚ መድረኽ’ዚ መንእሰያትን ደቂ-ኣንስትዮን ኣብ ቃልሲ ዝገብርዎ ዘለዉ ንጥፈታት ብምንኣድ፡ ኣብ ሰፊሕ ናይ ማሕበራት ጽላላት ክጥርነፉ ክድግፍ ምዃኑ ኣረጋገጸ።  
  5. 5.   ኣብ ሰደት ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ዝካየድ ዘሎ ሰብኣዊ ንግዲ ብድሕሪ ምኹናን፡ ኣህጉራዊ ማ/ሰብ ዓለም ሕሰም ስደተኛታት ንምቕላል ጻዕርታቱ ከሐይል ጸዊዑ።
  6. 6.   ማእከላይ መሪሕነት ንምውጋድ ኣባልነት ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ዝወሰዶ ውሳኔ ኣጽዲቑ።

 

ኣብ ወጻኢ መዳይ፡-

ጠቕላላ ጉባኤ ኤዲኪ ኣህጉራዊ ማ/ሰብ ዓለምን ዞባዊ ሓይልታትን ኤርትራ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ስትራተጂካዊ ኣቀማምታን ኣብ ቁጠባውን ጸጥታውን መዳይ ዝህልዋ ኣገዳስነትን ብምስትውዓል፡ ኣብ ኤርትራ ንዝስጉም ዘሎ ተረኽቦታትን ምዕባሌታትን ዓቢ ቆላሕታ ክገብርሉ ከምዝግባእ ተገንዚቡ። ስለዚ ጉባኤ ኣህጉራዊ ማ/ሰብ ዓለምን ዞባዊ ሓይልታትን ተርኦም መቓልሕ ትጽቢታት ህዝቢ ኤርትራ ንሰላምን ምርግጋእን ሓርነታትን ንምስማዕ ክኸውን ድማ ጸዊዑ፡፡ ጉዳይ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ክሊ ቀይሕ ባሕሪ ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ንባህግታት ህዝቢ ኤርትራ ዝውክል፡ ምስ ደለይቲ ሰላም ዝኾኑ ጎረብባቱን መላእ ዓለምን ብሰላም ዝነብር፡ ምስ ምህናጽ ደሞክራስያዊ ስርዓት ዝተኣሳሰር ጉዳይ ምዃኑ ብግቡእ ክግንዘቡ ይግባእ።

 

ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ማ/ሰብ ዓለም ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ሕሱም መነባብሮ፡ ካብ ስርዓት ህግደፍ ዝበጽሖ ዘሎ ግፍዕታት፡ ግብረ-ሽበራዊ ተግባራት፡ ጅምላዊ ማእሰርትን ኣካላዊ ምጽናትን ብዓቢ ኣገዳስነት ቆላሕታ ክገብረሉ መጸዋዕትኡ ኣቕሪቡ። ማሕበራት ኣህጉራዊ ማ/ሰብ ዓለም በቲ ስርዓት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ጨካን ግህሰታት ኣብ ምቕላዕ ልዑል እጃሙ ክጻወትን እሱራት ሕልና ዋላ’ውን እቶም ብድሕሪ ተረኽቦ 21 ጥሪ 2013 ዝተቐየዱ ክፍትሕ ተጽዕኖታት ክግበረሉ ይጽውዕ። ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዘጻርን ዘጽንዕን ፍሉይ ኣካል ብምምዛዙ ናእድኡ ብድሕሪ ምቕራብ፡ ማ/ሰብ ዓለም ንኤርትራ ክኣቱን ሓላፍነታዊ ተራኡ ክጻወትን ክተሓባበርዎ ይጽውዕ።

 

ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝብና ኣብ ቅድሚ’ቲ ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝፍጽም ዘሎ ግብረ-ሽበራዊ ተግባራት ንምግጣም ክጸንዕ ጸዊዑ። ደጊሙ’ውን ውጹዕ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብዘርእዮ ዘሎ ተባዕ ጅግንነታዊ ተራ ናእድኡ እናገለጸ፡ ኣብ ጎኒ መስርዕ ህዝቢ ብምስላፍ፡ ንምቅልጣፍ ውድቀት ስርዓት’ቲ ጸቢብ ጉጅለ ግዲኡ ከዕዝዝ’ውን ጸዊዑ።

 

ከምኡ’ውን ኣብ ደገ ዝርከብ ህዝብና ለውጢ ንምርግጋጽን ኣብ መድረኽ ነጻነታዊ ተጋድሎን ነዚ ጨካን ስርዓት ብምቕዋምን፡ ሂወት እቶም ጀጋኑ ስውኣትና ዝሓተተ ሃገራዊ ዕላማታት ኣብ ሽቶኡ ንምብጻሕን ዘካይድዎ ዘለዉ ንጡፍ ቃልስታት ክብ ዝበለ ምስጋንኡ የቕርብ።

 

ኣብ መደምደምታ ድማ፡ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ጉባኤና ንምዕዋት ዝገበርዎ ምትእንጋድን ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብና ከካይድዎ ዝጸንሑን ዘለዉን ምድግጋፋት ምስጋንኡ ኣቕሪቡ።          

 

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራን ጽኑዓት ደቁን!!

ዓወት ንሓድነት ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ስዕረትን ውድቀትን ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ!!

 

ጠቕላላ ጉባኤ 2013

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

22 ሚያዝያ 2013

 

 

 
23-04-2013
Print this page.
http://www.al-massar.com