ኣገዳሲ መግለጺ :ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

ኣገዳሲ መግለጺ

ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንህልዊ ኤርትራዊ ኩነታትን ሓፈሻዊ ዝኽስቱ ዘለው ምዕባሌታትን ሳዕበናቶምን ኩነታት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ብዕምቆት ንምዝታይ ካብ 20 ክሳብ 29 ጥሪ 2014 ህጹጽ ኣኼብኡ ኣካይዱ።

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንህልዊ ኩነታት ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን: ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላውን ኣመልኪቱ ዓሚቕ ገምጋም ኣካይዱ። ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ክንዲ መሰረታዊ ዝኾነ መፍትሒ ምንዳይ፡ ንውሽጣዊ ቅልውላው ሃገርና ዘጋድድ ግፍዓዊ ፖሊስታት ይቅጽል ብምህላዉ፡ ማእከላይ መሪሕነት መጻኢ ዕድል ሃገር ንሓደጋ ተሳጢሑ፡ ብውጽኢቱ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን መዳይ ዓቢ ጽልዋታት ዘለዎም ሓይልታት፡ ኣብዚ ዞባ’ዚ ሓድሽ ውድቀት ከየጋጥም ጻዕርታት ዘካይድሉ ኩነታት ከም ዘሎ ተመልኪቱ። ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ካብዚ ሓቅታት’ዚ ብምብጋስ፡ ውሽጣዊ ኩነታት ኤርትራን ዞባዊ ሳዕበናቱን ዘላቒ ረብሓታት ህዝቢ ኤርትራ ዘውሕስ፡ ሰላምን ምርግጋእን ዞባና ንምርግጋጽ፡ መሰረታዊ መፍትሒ ምንዳይ ዘለዎ ተደላይነት ተገንዚቡ።

ህዝብና ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ፍትሓዊ ቃልሲ ብዝምልከት፡ ማእከላይ መሪሕነት ፖሎቲካዊ ውድባት ተቓውሞ ኤርትራ ካብ ግዜ ንግዜ እናወሰኸ ምምጽኡ፡ ንመስርሕ ቃልሲ ኣውንታዊ ኣስተዋጽኦ ዘበርክት ምዃኑ’ውን ኣስተውዒሉ። እዚ ሓይልታት’ዚ ኩሉ ኣብ ቅድሚኡ ክህሉ ዝኽእል ብድሆታት ብምስጋር፡ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዘውሕስ ጽዑቕ ርኽባትን ሓድነታዊ ኣንፈት ቃልስን ክቅይስ ዘለዎ ኣገዳስነት ድማ ኣሚቱ።     

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ካብዚ ምሉእ ዕግበት’ዚ ብምብጋስ፡ ምትእኽኻብ መላእ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ሓደ ሰፊሕ ሓባራዊ ጽላል ምጥርናፍ ንመስርሕ ቃልሲ ህዝብና ንቅድሚት ንምስጓም፡ መሪሕ ግዲኡ ንምጽዋት፡ ግብራዊ ንጥፈታት ንምክያድን ዝተፈላለየ መልክዕ ብድሆታት ንምግጣምን፡ ህዝብን ሃገርን ካብ ብርስትን ምብትታንን ንምድሓንን ንምርገጋጹ ህጹጽ እዋናዊ ተደላይነቱ ተገንዚቡ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኩሎም ፖሎቲካዊ ውድባት ተቓውሞ ኤርትራ ብሓድነታዊ ጉባኤ ኣቢሉ ኣብ ሓደ ዝሰምረ ሰፊሕ /ግንባር/ ጽላል ክጥርናፉ፡ ምሉእ ተበግስኡ ይገልጽ። 

ንኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብዝምልከት፡ ማእከላይ መሪሕነት ጉዕዞ ኤዲኪ ምስ ኩሉ ሃገራዊ ምቅይያራትን ምዕባሌታትን ከምኡ’ውን ምስ ወድዓዊ ዞባውን ኣህጉራውን ኩነታት ብምትእስሳር ብዕምቆት ድሕሪ ምግንዛብ ምስ ህልዊ መድረኻዊ ጠለባት ዝዘመድ መርሆታት ቀይሱ። ንጉዳይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣመልኪቱ፡ ማእከላይ መሪሕነት ኩሉ ክእለታትን ዓቕምታትን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንምዕዋት ዕማም ኣሳናዳኢት ሽማግለን ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤን ክውዕል ድማ መምርሒ ኣመሓላሊፉ።

 

ማእከላይ መሪሕነት

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

29 ጥሪ 2014 

 
31-01-2014
Print this page.
http://www.al-massar.com