| |
 
 
ኣል-ማሳር መርበብ-እንተርነት ብሓድሽ ቕዲ
14-01-2012
1844
 

14/01/2012 

ምስ ቴክኖሎጂን እዋናዊ ምዕባሌታትን ንምስጛምን፣ ጠለባት ናይ ክቡራት ዓማውልና ንምምላእን፣ ኣል-ማሳር መርበብ-እንተርነት ንቴክኖሎጅካዊ ሰውራ ተጠቕማ፣ ንኣንበባታን ተጠቕምታን ብሓድሽ ቕዲ ተዳልያ ከምዘላ ብሓጎስ ተበስር። ከምኡ'ውን ተውሳኺቲ ኣገልግሎታትን ሓድሽቲ ቴክኖሎጅካዊ መሳሌጥያታት ብምርዓም ሓይሊን ዓቕሚታትን ብምውህሃድን ስሉጥን  ማራኺን፣ ንኽጥቀመሉ ቀሊልን ዝኾነ ዉሁድ ሜላታት ኣዳሊያ ትርከብ።

እዚ መርበብ እንተርነት፣ በዚ ሓድሽ መልክዑ ኣነበብቲ ብቀሊሉ ኣገልግሎታትን መልእኽታት ብመገዲ ኢ-መይል ክሰዱን ወይ FACEBOOK ወይ Twitter፣ ከምኡ'ውን ክሓትሙን ካልኦት ኣገልግሎታት ክረኽቡ እዮም። ብተወሳኺ እዚ መርበብ፣ መጋባእያ ዘተ (ምምይያጥ) ክህልዎን፣ በዚ መስኮት'ዚ ድማ ኣብ መንጎ ተኻታተልትን በጻሕትን ናይ'ዚ መርበብ  ብዛዕባ ዝተላዒሉ ዛዕባታት ሓሳባት ክለዋወጡን ርእቶኦም (ታዕሊቕ) ክጽሕፉን እዮም። ብተወሳኺ፣ ኣንበብቲ ኣብ Google ወይ gmail ወይ blogger ዘድሊ ቕጥዕታትን ስጉምታትን ብምምላእ  ናይ ገዛእ ነፍሶም መዝገብ ብምኽፋት፣ መዝገበ-ዕለታቶም ክጽሕፉ ክኽእሉ እዮም።

ኣል-ማሳር ወግዓዊ ልሳን ናይ እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ ኣብ መርበብ-እንተርነት እዩ። ኣብ 2007 ዓ.ም ዝተጀመረ ይኹን እምበር ። ብሰንኪ ተክንካዊ ጸገማት ተቓርጹ ድሕሪ ምጽናሑ፣ ዳግማይ ብ ግንቦት 2010 ተጀምሩ። እዚ ኣብ ትሕዝቶን ድዛይንን ዝተገብረ ምምሕያሻት ድማ ናይ ፈለማ እዩ።

ብመሰረት ዝተወጠነ ምዕባሌ፣ እዚ መርበብ ብ 3 ቛንቛታት ማለት ትግርኛ፣ እንግሊዘኛ፣ ዓረብኛን ክዳሎ እዩ። ትግርኛን ዓረብኛን ከም ወግዓውያንን ዝውቱራትን ቛንቛታት ኣብ ኤርትራ መጠን ኣብ ግመት ብምእታው፣ እንግሊዘኛ ድማ ከም ዓለም-ለኻዊ ቛንቛ መጠን፣ ዜናዊ ሓቤረታና ናብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ንምዝርጋሕ ክሕግዘና ተባህሉ ንጥቐመሎም ኣሎና።.

ኣብቲ ፍለማ፣ እዚ መርበብ ብቛንቛታት እንግሊዘኛን ዓረብኛን ጀምሩ፣ ድሕሪ ዘድሊ ረቛሒታት ምምላእ ድማ ቛንቛ ትግርኛ ከምዘጠቓልል ተጌሩ፣ በዚ መሰረት ድማ ኣል-ማሳር መርበብ እንተርነት፣ ዝተለሞም እስትራትጅካዊ ሽቶታቱ ውቕዑ።

 
 
 
Romodan Mubark
تهنئة بعيد الفطر المبارك
Romodan Mubark
Treasury Sanctions Eritrean Military Leader in Connection with Serious Human Rights Abuse ...
G-7 Nations Call for Swift Withdrawal of Eritrean Troops from Tigray
Statement attributable to the UN High Commissioner for Refugees Filippo Grandi on the situ ...
Eritrea: Conscription System’s Toll on Education
OPEN LETTER TO THE ERITREAN HEAD OF STATE
 
Eritrean regime prevents the entry of trucks from Sudan to Eritrea
ዕላዊ ምጅማር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገ...
ምጅማር 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ኤዲኪ
መግለጺ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብኣጋጣሚ መበል 21 ...
ደምዳማዊ መግለጺ ሳልሳይ ስሩዕ ምዱባዊ ኣኼባ ፈጻሚት ...
Eritrea Denies Knowing Group Linked to Ethiopian Dam Plot
ደምዳሚ መግለጺ ጠቕላላ ጉባኤ 2013 ኤርትራዊ ዲሞክራስያ...
Eritrean army conscripts 'killed in Asmara escape bid'
Current Weather
World Clock
 

Name :
Email :
Subject :
Message :
Like to Subscribe News Letter :
 
© Copyrights 2024 | Eritrean Islamic Conference (Al-Massar) By : ShahBiz