| |
 
 
ጋዜጣዊ መግለጺ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ፡
02-10-2012
1765
 

ጋዜጣዊ መግለጺ

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ፡

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብዕለት 01/10/2012 ኣብ ዝጀመረ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባኡ ከም ቀዳማይ ኣጀንዳ ሰሪዑ ዝረኣዮ ጉዳይ ብዛዕባ ብዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ፡ ንባሕቲ መስከረም 2012 ኣመልኪቱ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ፡ ዕምቆት ብምርኣይ እዚ ከኣ፡ ንታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተኸፈለ ከቢድ መስዋኣቲ  ይኹን ክሳብ ሕጂ ኣብ ምምካት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝኸፈሎ ዘሎ መስዋእትን፡ ዝትንክፍን ዘናሹን፡ ንኩሉ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኣከዋውና ህዝቢ ኤርትራ ዘናኣእስን ስለዝኾነ ነዚ ብዲምሓኩኤ ዝወጸ መግለጺ ብኩሎም ፖለቲካውን ማሕበራውን ኣካላት ህዝቢ ኤርትራ ዝኹንኑ መግለጽታትን ጽሑፋትን ብምውጻእ ንጀማሪ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ጀግና ስዉእ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ምትንካፍን ምንሻውን ኣብ ዝኾነይኹን ግዜ ዘይምኹኑይ እኩይ ተግባር ምዃኑ ብምርግጋጽ  ንኩሉ ቃልስታት ህዝቢ ኤርትራን ብ24 ግንቦት 1993 ብውጽኢት ብረታዊ ቃልሲ ንዝተረጋገጸ ሃገራዊ ናጽነት ዝትንክፍ ብምዃኑ ኣስሚረምሉ። ስለዚ ዲምሓኩኤ ብዝወሰዶ ዘይሓላፍነታዊ መርገጺ’ዚ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ታሪኻዊ ሓላፍነቶም ክወስዱ ግድን ይኸውን።

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ካብ ፖለቲካውን ስርዒታውን ሓላፍነቱ ብምብጋስ ዲምሓኩኤ ንህዝቢ ኤርትራ ብጽሑፍ ይቕሬታ ከቕርብ ተሓቲቱ። ይኹን ደኣምበር ኣብ መርገጺኡ ጸኒዑ ብምርካቡ ኩሎም ኣባላት ኪዳን እንኮላይ ዲምሓኩኤ ዝተሰማምዕሉ ሰነዳት፡ ነዚ ብምግሃሱ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኣብ ልዕሊ ዲምሓኩኤ ፖለቲካዊ ቻርተርን ቅዋምን ኤዲኪ ከተግብር ይግደድ።

 በዚ መሰረት፡-

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ቻርተር ኤ.ዲ.ኪ ሰፊሩ ዘሎ ትሕዝቶ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ፡ ሓፈሻዊ መትከላት ዝብል ኣብ ቁ (2) ”ብጅግንነታዊ ሃገራዊ ተጋድሎ ዝሰረጸ ሃገራዊ ሓድነት ምዕቃብን ምዕዛዝን”፡ ኣብ ቅዋም ኤ.ዲ.ኪ ሰፊሩ ዘሎ ትሕዝቶ ኣብ ዓንቀጽ 4ተ ንኡስ ዓንቕጽ (ለ) ግቡኣት ኣባልነት ዝብል ኣብ ቁ (7) ”ምስ ዕላማታትን መትከላትን ኪዳን ኣብ ዝጻረር፡ ወይ ንኪዳን፡ ወይ’ውን ንዝኾነ ኣባሉ ዝኾነ ውድብ ጉድኣት ኣብ ዘኸትል ምንቅስቓስ ዘይምስታፍ”። ከምኡ’ውን ኣብ ፖለቲካዊ ቻርተርን ቅዋምን ኤዲኪ ኣብ ዓንቕጽ 2ተ ዕላምታት ዝብል ቁ (2) ” ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምስራጽን ምሕላውን፡ ንሓባራዊ ሰላማዊ መነባብሮ ጥዑይ ሃዋሁ ንምፍጣርን ምዕያይ”። ብተወሳኺ ኣብ ቅዋም ኤዲኪ 4ይ ዓንቀጽ፡ ኩነት ኣባልነት፡ ኣብ “መ” ምድስካል ቀዋሚ ኣባልነት ኣብ ዝብል “ኣባልነት ናይ ዝኾነ ውድብ፡ ወይ ሰልፊ ኪዳን፡ ጉዳዩ ኣብ ማእከላይ መሪሕነት ክሳብ ዝቐርብ፡ በዚ ዝስዕብ ምኽንያታት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ከደስክሎ ይኽእል፡- (1) ፖለቲካዊ ቻርተርን ቅዋምን ዝግህስ ተግባራት ምስ ዝፍጽም።” 

ካብዚ ብምብጋስ ከኣ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ ብዕለት 2 ጥቅምቲ 2012  ኣብ ዘካየዶ ኣኼባኡ ኣባልነት ዲምሓኩኤ ኣብ ዝመጽእ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት መደምደምታ ክሳብ ዝግበረሉ ደስኪሉ ክጸንሕ ወሲኑ።

 

ኣብ መደምደምታ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ፡ ብሰንኪ መሪሕነት ዲምሓኩኤ ንዝተወሰደ መርገጺ መትከላዊ መርገጺና ኣብ ህዝቢ ኩናማ ጽኑዕ ምዃኑ እናገለጽና፡ ህዝቢ ኩናማ ከም ሓደ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ መጠን ኣካል ዝሓለፈን ዘሎን ኤርትራዊ ሃገራዊ ዕዮታት ምዃኑ ነረጋግጽ።  

 

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

02 ጥቅምቲ 2012

 
 
 
Romodan Mubark
تهنئة بعيد الفطر المبارك
Romodan Mubark
Treasury Sanctions Eritrean Military Leader in Connection with Serious Human Rights Abuse ...
G-7 Nations Call for Swift Withdrawal of Eritrean Troops from Tigray
Statement attributable to the UN High Commissioner for Refugees Filippo Grandi on the situ ...
Eritrea: Conscription System’s Toll on Education
OPEN LETTER TO THE ERITREAN HEAD OF STATE
 
View the Amnesty International Report 2017/18 for Eritrea
ሰነዳት ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስዊ ለውጢ ኣብ...
Eritrea Denies Knowing Group Linked to Ethiopian Dam Plot
ደምዳሚ መግለጺ ሳልሳይ ስሩዕ አኼባ ቤት ምኽሪ እስላማ...
تهنئة بعيد الفطر المبارك
ደምዳማዊ መግለጺ ንፋላሚ ባይቶ ሹራ
ሸኽ ሓሰን ሳልማን (ኣቡልበራእ) ክፍታሕ ዝቐረበ መጸዋዕ...
UAE likely to be building a naval facility in Eritrea
Current Weather
World Clock
 

Name :
Email :
Subject :
Message :
Like to Subscribe News Letter :
 
© Copyrights 2024 | Eritrean Islamic Conference (Al-Massar) By : ShahBiz