ሸኽ ሓሰን ሳልማን (ኣቡልበራእ) ክፍታሕ ዝቐረበ መጸዋዕታ

ኣቦ መንበር እስላማዊ ጕባኤ ኤርትራ፡ ሓው ሓሰን ሳልማን (ኣቡልበራእ)፡ ዑምራ ንምግባር ኣብ ስዑዲ ዓረብ ድሕሪ ምእታዉ ብሰበስልጣን እታ ሃገር ተታሒዙ ክሳብ ሕጂ ኣብ ማእሰርቲ ምጽናሑ፡ ንመሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣዝዩ ዘሻቕል ተረኽቦ ኰይኑ ዘሎ። ድሕነትን ሃለዋትን ሸኽ ሳልሕ ሳልማን ዘሻቐሎም ኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰዲህኤ ብመላኦም ምስ ኣባላት መሪሕነት እስላማዊ ጕባኤ ኤርትራ፡ ካልኦት ኣዕሩኽን ብቐጻልነት ብምርኻብ ሃለዋት ሸኽ ሓሰን ሳልማን ብኣንኵሮ ኢዮም ክከታተሉ ጸኒሖምን ዘለዉን። ካብ ማእሰርቲ ንምውጻኡ ብብዙሓት ሸነኻትን ውልቀሰባትን ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ድማ ተስፋዝህብ ኢዩ። ሸኽ ሓሰን፡ ኣቦ መንበር እስላማዊ ጕባኤ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ንጐረባብቲ ሃገራትን ከባቢናን ሰላምን ጽቡቕን ዝምነ፡ ብልዝብን ሕድገታትን ዝኣምን ሰብ ውን ኢዩ። ልዕሊ ኵሉ ከኣ፡ ንዅሉ ክፍልታት ሕብረተሰብና፡ ኣብ ዜግነታዊ ሰረት ዝተመርኰሰ ፍትሓዊ ሽርክነት ዘረጋግጽ፤ ንናይ ቀረባን ርሑቕን ጐረባብቲ ርግኣትን ስላምን ዘስፍን ትካላት መንግስቲ ንምህናጽ፡ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ብናጽነት ክናፈሱን ማዕረ ማዕረን ክነብሩን ኣድላዪነት ከምዘለዎ ካብ ዝኣምኑ ልሉያት ምሁራትን ተመራመርቲ ስነሓሳባውያን ኢዩ። ካብ’ዚ ነቒሉ፡ ኣቡልበራእ፡ ንሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቕ ጥራሕ ዘይኰነስ፣ ምእንቲ መላእ ኤርትራን ህዝባን ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈለን ዝተኸላኸለን፣ ነቲ ብመስዋእቲ ናይ ዝተፈላለየ ሃይማኖትን መበቆልን ባህልን ዘለዎም ኤርትራውያን ዝተረጋገጸ ሃገራዊ መኽሰባት ንምዕቃብ ከይተሓለለ ዝቃለስ ተጋዳላይ ውን ኢዩ። እዚ ዝመለለዪኡ መራሕን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰልን፡ ድምጹ ሱቕ ንምባል፡ ንብዙሓት ኤርትራውያንን ኣህዛብ’ቲ ዞናን ካብ’ቲ ኣብ ክሊ ሲቪላዊ መንግስትን ግዝኣተ ሕግን ብሕውነትን ምጽውዋርን ምንባር ዝጽውዕን ኵሉ ብማዕርነትን ብምክባርን ዝነብረሉ ክሊ ንምፍጣር ዝዓለመን ርእይቶታቱ ንምሕራሞም ፈጺሙ ዘይከኣል ኢዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንንጉስ ዓብደላ ቢን ዓብደልዓዚዝን ሰበስልጣን ጸጥታን ሓው ዝዀነ ህዝቢ ስዑዲ ዓረብ፡ ንሸኽ ሓሰን ሳልማን ብህጹጽ ክፍታሕ ንዝምልከቶም ኣካላት ክሕብሩን ድሕነቱን ህይወቱን ክሕሎ ኵሉ ዝከኣሎም ክገብሩ ንጽውዕ። ኣብ ልቦና ኣሕዋት ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ዘሎና እምነት እናገለጽና፡ ሓውና ሸኽ ሓሰን ኣብ ሓጺር እዋን ተፈቲሑ፡ እቲ ዝጀመሮ ናይ ምጽውዋርን ሕድገታትን መልእኽቱ ክቕጽሎ ሰብ ምሉእ ተስፋ ኢና። ሸኽ ሓሰን ብሰንኪ ማእሰርቱ፡ ካብ ብዙሓት ሃገራውን ሃይማኖታውን ዝኽርታት ተፈልዩና ምጽናሑ ብዙሕ’ዩ ዘተሓሳስበና። ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ጽንኩር ኵነታት ንስድራ ቤት ሸኽ ሓሰንን ንመሰረታትን ኣባላት መሪሕነትን እስላማዊ ጕባኤ ኤርትራን ኣብ ጐድኖም ደው ኢልና ከምዘሎና እናገለጽና፣ ምስኵሎም ኣዕሩኽን ፈተውትን ብምትሕብባር፡ ክቡር ሸኽ ሓሰን ሳልማን ንምፍታሕ ኵሉ ዝከኣለና ጻዕርታት ክንገብር ምዃና ደጊምና ነረጋግጽ። ሓምድ ድራር ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

 
04/10/2011
Print this page.
http://www.al-massar.com