ደምዳማዊ መግለጺ ንፋላሚ ባይቶ ሹራ


ደምዳማዊ መግለጺ ንፋላሚ ባይቶ ሹራ

ሓድነት ሕጋዊ ድልየትን ቕዱስ ዕላማን እዩ። አላህ ' ኣመንቲ ረቢ ዝኾኑ፣ ክሓብሩን ከይፋላለየን ይእዝዝ' وأعتصموا بحبل الله جمعياً ولا تفرقوا)) ። ሓድነት እምባኣር ቕኑዕን መሰረታዊ ዕጥቒ ናይ ዝማዕበሉ ሕብረተ-ሰባት ኮይኑ ዓወታት ንምጉንጻፍን ሽቶታት ንምውቓዕን ዘድሊ ኣገዳሲ ረቓሒ እዩ። ብተወሳኺ ፖሎትካዊ ኣገደስነት'ዉን ኣለዎ፣ ብፍላይ ምስ'ዚ ህልው ፖሎትካዊ ኩነታት ኤርትራ። ከምኡ'ውን ጥሙሓት ህዝብናን ውፉያት ደገፍትናን ንምርግጋጽን ሃንቕውትኦም ግብራዊ ንምግባሪን፣ ሓድነትን ምትሕብባሪን ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ፖሎትካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንኽህሉ ብተስፋ ዝጽበይዎ መስሪሕ እዩ። በዚ መሰረት፣ ዝተፈላልዩ ሓይልታት ኣብ ትሕቲ ጽላል እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ ምጽንባሮም መርኣያ ሓድነት ኮይኑ ኣሎ። እቲ ውድብ'ውን ዝያዳ ሓይሊን ክእላትን ዓቕምታትን ከማዕብል ኣኽእልዎ።

ድሕሪ ምርግጋጽ ምሉእ ሓድነት፣ ጉባኤ ሹራ ናይ እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ ቀዳማይ ታረኻዊ ኣኼባኡ ካብ ዕለት 23-25/2/2012 ዓ.ም ( 1-3/4/1433 ብህጅርያ) ኣብ ትሕት ' ብሓድነትና ሃገራዊ ዕላማትትና ነረጋግጽ' ዝብል ቴማ ኣኼባኡ ኣክይዱ። እቲ ኣኼባ  ሕውነታዊን ምርድዳእን ምክብባርን ኣብ ዝዓሰሎ ኩነታት ተኻይዱ፣ ከምኡ'ውን ሃንቕውታትን ድልያታትን ብሩህ መጻኢን ከምዘሎ ኣብ መንጎ ዝካይዱ ዝነበሩ ክትዓትን ምልዛብን ናይ ተሳተፍቲ ጎልሑ ተራእዩ። ኩሎም ድማ እቲ ስራሕ ንትጽብታትን ሃንቐዉታን ንኹሎም ብፍላይ ንኤርትራውያን ዜጋታት ዝንጸባርቕን ሃረርትኦም ዝምልሽን ንምግባር፣ ብልዑል ሓላፍነትን ተጋዳስነትን ተወፋይነትን ዘትዮም። ተጋባእቲ ብፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ዝቀረበሎም ወረቓቕቲ ኣልዕሎም ዘትዮም። እዚ ድማ ሓደ ካብቲ ውጽኢት ሓድነት ኮይኑ ስጡምን ሕብረት ዝዓሰሎን ውድብ ንክፍጠር ዝሕግዝ ኔሩ።

እቲ ኣኼባ ኣገደስቲ ውሳኔታትን ለባዋታትን ኣጽድቑ፣-

  • ብፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ንዝቐረበ ብዛዕባ ፋይናንሳዊን ጸብጻብ ዝተዮም። ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ብፍላይ ነቲ ውድብ ኣብ ዘሓለፈ ግዜ ዝጋነፎ ጽንኩር ኩነታት ተጻውሩ ንዝካየዶ ልዑል ተራን ስራሕን ኣድናቖቶ ገሊጾም።
  • ንስሉጥነትን ምቑጽጻር ረምታ ስራሕን ብዝምልከት ተረዳድኡ፣ ብፍላይ ምስ መሰረታዊያን ፖሎስታትን ሕጋጋትን መምሪሒታትን ናይ ባይቶ ሹራ፣ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን ፋይናንስዊን መምርሒታን ኣጽድቑ።
  • ንምምሕዳራዊ ቅሪጺ ናይ ባይቶ ሹራን ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን ገምጊሙን ኣጽድቑን።
  • ንፖሎትካዊ ራኢን እስትራተጅን ናይ መጻኢ መደባትን ብዝምልከት ተረዳድኡ።
  • ፋይናንሳውን መወከስታት ብዝምልከት ድማ ውሳኑ።
  • ተጋባእቲ ንውጽኢት ሃገራዊ ጉባኤ (National Council) ብዝምልከት ድሕሪ ምዝታይ  ቁኑዕ ስጉምቲ ንቕድሚት ምኻኑ ኣስምሮምሉ። ብተወሳኺ  ኩሎም ሃገራዊያን፣ መላኺ ስርዓት ንምውዳቕ ንኽሓብሩ፣ ዝያዳ ጎስጋስን ምምሕያሻትን ጉሉጽነትን ንኽህሉ ተሰማምዑ። ከምኡ'ውን ተጋባእቲ ሕውነታዊ ዝተታትን ርክክባትን ኣብ መንጎ ተቓወምቲ  ውድባት ኤርትራዊይን ክድንፋዕ ብፍላይ ካብ ዝሓልፈ ምዕባሌታት ተመክሮታት ክቕሰም ኣተሓሳስቡ። 
  • ተጋባእቲ ብወልቐ-መላኺ ስርዓት ዝካየድ ዘሎ ወገናዊ ኣተሓሕዛ ይኹንን። ናይዚ ኣብ ልዕሊ ልኡልነትን ክብሪን ርግኣትን ሃገር ወርዱ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ብስንኪ ዘይቕኑዕ ፖልሲታትን ስጉምታትን ብምኻኑ ምሉእ ሓልፍነት የስክሞ።
  • ጉባኤ ብሰንኪ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ዝኸየድ ዘሎ ቁጽሪ ካብ ሃገሮም ዝስደዱ ዘለው ኤርትራዊያን ዓሚቕ ጋሂኡ ይገልጽ። ንሕጅን ንመጻኢን ሃገር ዘለዎ ሳዕቤን ድማ ልዑል ብምኻኑ ሓደገኛ እዩ። ከምኡ'ውን ኣብ ጥቓ ዶባት ንዝካይድ ዘሎ ናይ ኤርትራዊያን  ምጭዋይን ምግፋዕን መስሪሕ ይኹንን። ስርዓት ኢሳያስ ድማ ተሓታቲ ናይዚ ኩሉ መከራኡን ስቓይን ምኻኑ'ዩ። ጉባኤ ነቶም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡን ስቓይ ዝሕልፉን ዘለዉ  ኤርትራዊያን ስድተኛታት ዘለዎ ምድንጋጽ ይገልጽ። በዚ መሰረት ንኩሎም ብጉዳይ ስድተኛታት ዝገደሱ ማሕበራት፣ ንስደትኛታት ኤርትራዊያን ኣብ ቀዳምነታቶም ብምስራዕ ዘድሊ ሰብኣዊን፣ጸጥታዊን፣ሕጋዊ ዑቕባን ክግበረሎም ይጽውዕ።
  • ጉባኤ፣ ብሓፍሽ ህዝብና ዝተበርከተ ልዑል ተራ ማለት ኣብ ምምስራት ሓድነትን ስምሪትን ወድብና  የመስግን። ብፍላይ ኣብቲ ጽንኩር ኩነታት ዝነበሮ ማለት ኣቦ-ወንበሪን ካልኦት ሓለፍትን ን 6 ኣዋርሕ ኣብ ዝተኣስሩሉ ወቕቲ ደገፎም ኣዚዩ ጎሊሒ ተራእዩ። ብተወሳኺ ንሓፋሽ ህዝቡ ኣብርክቶኦም ሓገዞምን ክዛይዱ ይምሕጸን።
  • ጉባኤ፣ ንኩሎም ሃገራዊያንን ጀጋኑን ኣብ ዝተፈላልዩ ትካላት ናይ ሃገራዊ ሰራዊት ዝርከቡ ብስነኪ መላኺ-ስርዓት ንዝካይድ ምግሃስ መሰላትን ናጽነታትን ዘይስብኣዊ ተግባራትን ኣብ ልዕሊ ሃገረን ዜጋታትን ክቓወሙን ጸገማት ህዝቦም ንምቕላል እጃሞም ብጽፈት ክጻወቱን ታረኻዊ ሓላፍነቶም ምኻኑ የዘኻኽር።
  • ጉባኤ፣ ብዓረባውያን ንዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣንጻር ብልሽዋትን ጨቆንቲ  ስርዓታት ብፍላይ ምስ ክብሪታቱ ንምምርግጋጽ ዝቓልሰ ዘሎ ሰውራ ሱሪያ ዘለዎ ደገፍ የረጋግጽ። ኩሉ ተስፋታቶም ዕላማታቶምን ማለት ፍትሒን ናጽነትን ክብሪን ምዕባሌን ርግኣትን ክጎናጸፉ ድማ ንምነየሎም።
  • ብተወሳኺ ቀጻሊን ዘይማትእን ድጋፍን ምድንጋጽን ንህዝቢ ፍልስጥን የረጋግጽ፣ ናጻን ልኡላዊትን ኣልቁድስ ዝርእሰ-ከተማኣ ሃገረ ፍልስጥን ክትምስረት ድማ ይድግፍ።
  • ጉባኤ፣  ኣሕዋት ሶማላውያን ብሰለማዊ መገዲ ክላዘቡን ክትዓራቑን ነቲ ንህዝቢን መሬትን ሶማል ኣጋጥሙ ዘሎ ትራድጂ ድማ መኸተምታ ክገብሩሉ ይጽውዕ።

 

ኣብ መወዳእታ ክብሪ ንረቢል ዓለሚን!

ጉባኤ ሹራ

እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ

26/5/ 2012 ዓ.ም   (4/3/1433 ህጅርያ)

 
28/02/2012
Print this page.
http://www.al-massar.com