ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት አብ ልዕሊ ኤርትራ ዝወሰኖ ናይ እገዳ ውሳነ ብ አብ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከባ ሃገራት አብ ተግባር ይውዕል:

 

ባይቶ    ጸጥታ  ውድብ  ሕቡራት  ሃገራት    አብ  ልዕሊ ኤርትራ ዝወሰኖ  ናይ እገዳ ውሳነ ብ አብ  

ወሽመጥ  ዓረብ ዝርከባ ሃገራት አብ  ተግባር ይውዕል:

ቤት ጽሕፈት ዜና:ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ       

እቲ ብ ቁጽሪ 1907 ዝፍለጥ አብ ዕለት 23/12/2009 ዝተውሰነ ፡ ድሒሩ ውን ብቑጽሪ 2012  አብ ዕለት 5/12/2011 ዝተረጋገጸ ብውድብ

ሕቡራት ሃገራት ፡ አብ ልዕሊ’ቲ አብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝተወሰነ ናይ እገዳ ውሳኔ ፡ ሱዑዲ ዓረብያ ነቲ ውሳኔ

አብ ተግባር ንኸተውዕሎ ፡ ምስ ሱዑዲ ዓረብያ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ አካል መምርሒ ሂቡ።

በዚ መሰረት አብ ጅዳ ዝመደበሩ ቤት ምኽሪ ንግዲን ኢንዱስትሪን ሱዑዲ ዓረብያ ፡ ነዚ አቐዲሙ ዝተጠቕሰ ብውድብ ሕቡራት

ሃገራት አብ ልዕሊ ስርዓት ኤርትራ ዝተወሰነ  ናይ እገዳ ውሳኔ አብ ተግባር ንምውዓል ፡ አብ’ቲ ብሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን ዝወጸ

ብ 267/1/2120/ ዕለት 1/3/1433 ሂጅሪያ ዝፍለጥ  ሰነድ  ምርኩስ ዝገበረ መልእኽቲ ናብ ኩለም ዝምልከቶም አካላት አመሓላሊፉ ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ’ቲ ስርዓት ኢሰያስ ዝገብሮ ዘሎ ንጎረባብቲ ድቃስ ዝኸልኤ ጻሕታሪ

ተግባራቱ ፡ ዝኾነ ይኹን ርክብ ከምዘይብሉ እናአረጋገጸ ፡ ኩለን ሃገራት ወሽመጥን መንግስቲ ሱዑዲ ዓረብያን ነቲ ብውዱብ ሕቡራት

ሃገራት ዝተወሰነ ውሳኔ ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከአ ን አብ ሱዑድያ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብዘይጎድእ መንገዲ አብ ተግባር

ከውዕልኦ ይጽውዕ።

ኮፒ ውሳኔ ወሽመጥ ዓረብ ካብ ጅዳ አብ ታሕቲ ተመልከቱ

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ  

ቤት ጽሕፈት ዜና  

27/03/2012

 
30-03-2012
Print this page.
http://www.al-massar.com