ኣቐዲማ ዝተጨውየት ነፋሪት ንምምላስ ናብ ስዑዲ ዝተላእከት ኤርትራዊት ፓይሎት ራህዋ ገብረክስቶስ ንርእሳ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዑቕባ ሓቲታ፡ ህግደፍ ብምትላል

www.assenna.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ነታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ካፕቴን ዮናስ ወልደኣብ ከምኡ ‘ውን መኮነን ደበሳይ ዝተባህሉ ክልተ መራሕታ (ፓይሎታት) ዝጨወዩዋ ሞ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዑቕባ ድሕሪ ምሕታቶም ንሓያለ ኣዋርሕ ኣብ ስዑዲ ዓረብ እትርከብ  IAI 1125  ዝዓይነታ ናይ VIP ነፋሪት ናብ ኤርትራ ክትመልሳ ዝለኣኻ፡ ራህዋ ገብረክርስቶስ ዝተባህለት ፓይሎት፡ ዝተዋህባ ተልእኾ ግዲፋ፡ ንስርዓት ህግደፍ ብምርሕራሕ ንርእሳ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ፖለቲካዊ ዑቕባ ስለዝሓተተት፡ ስርዓት ህግደፍ ልኡኻት ሰዲዱ ናብ ኤርትራ ክምለሳ ዝተፈላለየ ውዲታት የካይድ  ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ፓይሎት ራህዋ ገብረክርስቶስ ኣብ ጀዛን፡ ኣብ መደበር ፖሊስ ክትርከብ ከላ፡ ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ፡ “ ደሞዝ እዩ ውሒዱዋ፡ ካልእ ጸገም የብላን፡ ደሞዝ ክንውስኻ ኢና” ኢሉ ንሰበስልጣን ስዑዲ ብምትላል ናብ ኤርትራ ክመልሳ ይከራኸር ከምዘሎ ኣብዚ ሰዓት’ዚ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ ሎ።

እታ ጓል 34 ዓመት ምኵርቲ ፓይሎት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ዝኾነት ራህዋ ገብረክርስቶስ፡ ነታ ቀዲማ ዝተጨውየት ነፋሪት ንምምላስ፡ ምስ ካልኦት ሰለስተ ፕይሎታት ትማሊ ናብ ጀዛን ድሕሪ ምጕዓዛ ኣብ ናይ ዜሮ ሰዓት ዑቕባ ሓቲታ። ኣቲ መደብ ድማ፡ ንሳ ካልእይ ርእሳ ነታ ኣብኡ ዝጸንሐት፡ እቶም ክልተ ብጾታ ድማ ነታ ትማሊ ዝተጓዕዙላ ነፋሪት ሒዞም ክምለሱ ድማ እዩ ነይሩ እቲ መደብ።

ስለዚ፡ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ኣትርከቡ ኤርትራውያንን መሓዙት ኤርትራን፡ ተጣበቕቲ መሰል ወዲ ሰብን፡ ራህዋ ናብ ኤርትራ ተመሊሳ ከይትሳቐ መታን ንድሕነታ ኣድላዪ ጻዕሪ ክትገብሩ ነተሓሳስብ።

ጉዳይ ራህዋ፡ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ሕቶ እዩ። ድሮ ውን ኣብ ፖሊስ ስዑዲ ዓረብ ንምለሳ ነጽንሓያ ዝብል ናይ ሓሳባት ምምቕቓል ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ። ስለዚ፡ ኣብ እዛ ኤርትራዊት ዜጋ ኣብ ሓደጋ ህግደፍ ከይወደቐት፡ በብዓቕምኹም፡ ነዚ ሓበሬታ’ዚ ናብ ክሕግዙዋ ዝኽእሉ ኣድለይቲ ማሕበራትን መንግስታትን ብህጹጽ ከተብጽሑዎ ድማ ንምህጸን።

ነዚ ብዚምልከት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣብ ቀጻሊ ከነቕርበልኩም ኢና።

 

 
01-04-2013
Print this page.
http://www.al-massar.com