ዕላዊ ምጅማር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተበሲሩ።

 ዕላዊ ምጅማር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተበሲሩ።

ኣቦ-መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ደክተር ዮሱፍ ብርሃኑ ሎሚ ዕለት 22 ጥሪ 2014 ኣብ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዕላዊ ምጅማ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ኣበሲሩ።

 ኣብ’ቲ ኣኼባ ኣባላት ባይቶን ወከልቲ ዝተፈለለዩ ውድባትን ከም ዝተረኽቡን ኣቦ-መንበር ሓላፊ  ክፍሊ ዜና ባይቶ ሓው ሰፈር ማሓመድ ሰፈር ንኼባኛታት ናይ ዕንኳ ድሓን መጻኣኹም መደረ ኣሲሚዑ።

  ኣብ’ቲ 

ሽማግለ ወግዓዊ ስራሓ ከም ዝጀመረት ዘበሰረ ኣኼባ ኣቦ-መንንበር  ፈጻሚት ደክተር ዮሱፍ ብርሃኑ ኣብ ዘስምዖ ቃል “ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝነበርዋ ብድሆታት ሰጊራ  ብዕሊ ስራሓ ትጅምር ምህላዋን ተሸኪማቶ ዘለ ዕማም ዓቢ ሃገራዊ ጉዳይ ስለ ዝኾነ ብሓላፍነት ክትዋጽኦ  ተላቢዩ። ኣቦ-መንበር ናይ’ታ ዝቖመት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሓው ዓብዱ ኣሕመድ  ብወገኑ እታ ሽማግለ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ዕላዊ ስርሓ ትጅመር ምህላዋን እዛ ኣሰናዳኢት ሽማግለ እዚኣ ጽፉፉን ዕውትን ስራሕ ክትዓምም እንተኾይና ናይ ኩሉ ደላይ ለውጢ ሓላፍነት ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ፖለቲካዊ ውድባት እጃመን ክዓማ ጻዊዕት ኣቅሪቡ።

  እታ ሽማግለ 21 ኣባላት ዝሓዘት ኮይና ካብ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ምሁራትን ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራት  ዝሓቆፈት  ከም ዝኾነት ኣብ’ቲ ኣኼባ ተገሊጹ። ኣብ’ቲ ኣኼባ:   ምብጋስ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ (ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ) ንካላኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ መግለጺ  ብ ምክትል ኣቦ-መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ባይቶ ሓው ዮውሃንስ ኣስመላሽ ብትግርኛ ብሓላፊ ክፍሊ ዜና ሓው ሰፈር ድማ ብዓረብኛ ዝቀረበ ኮይኑ እቲ መግለጺ ኣብ ትሕዝትኡ “ ብመሰረት ውሳኔ ካላኣይ ስሩዕ ኣኼባ ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለን  በቲ ዝሰዓበ ውሳኔን ስምምዕን መሪሕነት ባይቶን ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ሎሚ ዕለት 22 ጥሪ 2014 ኣሰናዳኢት ሽማግለ ከነበግስ ከለና ደስ ይብለና። 

ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ንተበግሶን ምድላውን ካላኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ዘድሊ ክገብር ድሕሪ ምጽናሕ ዝመጽእ ጉባኤና ነቲ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ዝብል መሪሕ ጭሮሖና ተግብራዊ ንምግባር ካብቲ ዝሓለፈ ቀዳማይ ጉባኤና ዝሰፍሔን ዝሓሸን ጉባኤ ክንገብር ኩሉ ዝከኣለና  ድልዋት ምዃንና ነበስር። ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ካላኣይ ጉባኤ ከዕውት እንተኾይኑ  ናይ ኩሎም ተቓለስቲ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ደገፍ ክሕወሶ እንተተኻኢሉ ጥራሕ እዩ። ስለዝኾነ ድማ በዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪክ ማሕብራትን ኩሎም ደለይቲ ለውጥን ክድግፍዎን ክጽንበርዎን  ጻውዒትና ነቕርብ ክብል ጠቂሱ።

 

 
23-01-2014
Print this page.
http://www.al-massar.com