| |
 
 
ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ተሳትፎ ህዝቢ ወሳኒ’ዩ!!
11/08/2011
1850
 

 

 

 

ዓሚ ከምዚ ሎሚ ክንዝኽር ከለና፡ እቲ ኣብ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ምዕራፍ ዝኸፈተ ታሪኻዊ ተረኽቦ ምዝኻር ግድን ይኸውን። ንሱ ከኣ እቲ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 09 ነሓሰ 2010 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጋብአ፡ ሰፊሕን ዕዉትን ዋዕላ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ። እቲ ዋዕላ ሕብሪ ኤርትራ ዘንጸባረቀን ንመላእ ብሄራት ሃገርና ዘንጸባረቐ፡ ካብ ዝተፈላለያ ፖሎቲካዊ ውድባት፡ በርጌሳዊ ማሕበራትን ኣገደስቲ ክፍልታትን ባእታታትን ዘሳተፈ’ዩ ነይሩ። ሕድሕድ ምትእምማንን መንፈስ ሓድነትን ዝፈጠረ፡ ሓቢርካ ናይ ምቅላስ ወኒ ዘበራበረን፡ ከምኡ’ውን 53 ዝኣባላቱ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ክቐውም ዝደረኸ መድረኽ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ናብቲ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጥን፡ ክሳተፍዎ ትጽቢት ዝግበረሉ መድረኽ ሃገራዊ ጉባኤ ኣሰጋጊሩና ይርከብ። 
ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ብመንገዲ ኣባላቱን ዕላዊ መርበብ ሓበሬቱን ኣቢሉ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝጸድቕ፡ ኣርባዕተ ሰነዳት፡ ማለት ፖሎቲካዊ ቻርተር፡ ሕገ-ህንጻ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ፡ መሪሕ ሓሳብን መሰጋገሪ ቅዋምን ንህዝቢ ዘርጊሑ ኣሎ። መንፈስን ትሕዝቶን ናይቲ ሰነዳት፡ ብግቡእ ንምርዳእን ነቲ ዝካየድ ዘተ ንምሕጋዝን ተባሂሉ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰነድ ጽማቕ ምስኡ ተተሓሒዙ ንዘተ ወሪዱ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ። እቲ ፖሎቲካዊ ሰነዳት ንዘተ ዝወረደሉ ቀንዲ ምክንያት፡ ህዝቢ፡ ሃነጽቲ መማረጺ ሓሳባት፡ ርእይቶን ሕቶን ከቕርብ ዕድል ንክረኽብ’ዩ።ብድሕሪ’ዚ ሽማግለ ህዝባዊ ውደባ፡ ብዘውጽኦም መምርሒታት መሰረት፡ ብነጻ፡ ግሉጽን ደሞክራስያውን መንገዲ፡ ተወከልቲ ሃገራዊ ጉባኤ ክምረጹ’ዮም። 
እቲ ብዙሕ ትጽቢት ዚግበርሉ ሃገራዊ ጉባኤ ከም’ቲ ዝድለ ምእንቲ ዓይነታዊ ለውጢ ክመዝጋብን፡ ዕዉት ኰይኑ ክወጽእን ዕላምኡ ምእንቲ ክሃርምን፡ ተሳትፎ ህዝቢ ወሳኒ ምዃኑ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ብጽኑዕ ይኣምን። ካብ’ዚ እምነት’ዚ ብምብጋስ ከኣ፡ ነቲ ወሪዱ ዘሎ ፓሎቲካዊ ሰነዳት ኩሉ ክፍልታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ንምህብታሙ ብውዱብ መልክዕ ክካታዕን ሓላፍነቱ ክዋጻእን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ጻዊዒቱ የቕርብ። ከምኡ’ውን ናብ ሃገራዊ ጉባኤ ወከልቲ ንምልኣኽ ኣብ ዝካየድ ምርጫ ከኣ፡ ነጻን ደሞክራስያውን ፍትሓዉን ክኸውን ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ዕማም ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ንሰጋገረሉ መጋብኣያ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ፡፡ ነዚ መስረት ብምግባር ከኣ ተወከልቲ ሃገራዊ ጉባኤ ምስቲ መድረኽ ዝገጥሙን ኣብቲ መጋብኣያ ልዑል ሓላፍነት ክጻወቱ ዝኽእሉን ክኾኑ ዘለዎ ተደላይነት ብምርዳእ ህዝቢ ነዚ ረቋሒታት’ዚ ዘማልኡ ብሓላፍነት ክመርጽን ወከልቱ ክልእኽን ንምሕጸን። 
ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!! 
አብ ኤርትራ ምልኪ ፈሪሱ ሕጊ ይንገስ!! 
ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!! 
ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን 
ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ 
8 ነሓሰ 2011 
www.encdc.com

 

 

 

 
 
 
Romodan Mubark
تهنئة بعيد الفطر المبارك
Romodan Mubark
Treasury Sanctions Eritrean Military Leader in Connection with Serious Human Rights Abuse ...
G-7 Nations Call for Swift Withdrawal of Eritrean Troops from Tigray
Statement attributable to the UN High Commissioner for Refugees Filippo Grandi on the situ ...
Eritrea: Conscription System’s Toll on Education
OPEN LETTER TO THE ERITREAN HEAD OF STATE
 
Treasury Sanctions Eritrean Military Leader in Connection with Serious Human Rights Abuse ...
Statement attributable to the UN High Commissioner for Refugees Filippo Grandi on the situ...
ደምዳሚ መግለጺ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ...
ደምዳሚ መግለጺ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤዲ...
Eritrean leaders should be tried for crimes against humanity: U.N.
ፍጻሚት ቤት ጽሕፈት ጋዜጣዊ መገልጺ ንምሕባር ብዛዕባ ...
ደምዳማዊ መግለጺ ንፋላሚ ባይቶ ሹራ
2019 World Press Freedom Index – A cycle of fear, Eritrea (up 1 at 178th) is third from...
Current Weather
World Clock
 

Name :
Email :
Subject :
Message :
Like to Subscribe News Letter :
 
© Copyrights 2024 | Eritrean Islamic Conference (Al-Massar) By : ShahBiz